መዓስ እየ ክኸይድ ዘለኒ?
መዓስ ኢና ናብ ማከል መቀበል ሓደስቲ መጻእቲ ክንከይድ ዘለና፧
ንተመሃሮ ቤት ትምህርቲ መባእታ:

- ብመጀመርታ ንውላድኩም ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ካቶሊካዊ ቤት ትምህርቲ ኣመዝግብዎ። ነዚ ንምግባር እዞም ዝስዕቡ ሰነዳት ደኮመንቲ ይድልይኹም፡ ካቶሊኽ ሙኻኖም መረጋገጺ ናይ ጥምቀት ምስክር ወረቐት (ወይ ውላድኩም እንተዘይተጠሚቑ ናይ ገዛእ ርእስኹም)፣ ደለኩም ናይ ስደተኛታትን ዜጋታትን ካናዳ ሰነዳት (ቀዋሚ መንበሪ ካርድ፣ ዕቁባ ከምዝሓተትኩም መራጋገጺ ሰነድ(ሪፍጂ ክሌማንት ደኮመምት)፣ ናይ ስራሕ (ወርክ) ወይ መምሃሪ(ስታዲ) ቪዛ)፣ ከምኡ’ውን መራጋገጺ ትነብርሉ ኣድራሻ ሰነድ (ደኮመንት) (ናይ ኤሌትሪ ተጠቀምኩምሉ፨ ዩቲሊቲ ሕሳብ፣ ናይ ንብረትኩም ግብሪ ዝኸፈልኩምሉ ሕሳብ፣ ቴሌፎን ትኸፍሉሉ ሕሳብ ወይ ስምምዕነት ዕድጊ መሸጣ (ንብረት))።
- ካቶሊኽ እንተዘይ ኮንኩም፡ ምስ ርእሰ መምህር ቤት ትምህርቲ ተራኺብኩም ንምዝርራብ/ቃለ መሕች ንምግባር/ ቆጸራ ብቤትምህርቲ ክታሓዘልኩም እዩ።
- እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ማእከል መቐበሊ ሓደስቲ ኣጋይሽ ቆጸራ ክሰርዓልኩም/ክሕዘልኩም እዩ።
- ሰራሕተኛ ካብ ማእከል መቐበሊ ሓደስቲ ኣጋይሽ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ደዊሉ መዓልትን ሰዓትን ቆጸራኹም ክሕብረኩም እዩ።
ንተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ኻልኣይ ደረጃ:
- መጀመርታ – ምስ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ መምርሒ ካልኣይ ደረጃ፥ ውላድኩም ክማሃረሉ ትደልይዎ ቤት ትምህርቲ ክትራኸቡ ኣለኩም። ክምኡውን ዝኾነ ብስደተኛታትን ዜጋታትን ካናዳ(ኣይኣርሲ) ዝተዋህበኩም ሰነዳት (ቀዋሚ መንበሪ ካርድ፣ ዕቁባ ዝሓተትክምሉ ሰነድ (ረፉጂ ክሌማንት)፣ ናይ ስራሕ፣ ወይ መምሃሪ ቪዛ)፣ ከምኡ’ውን መርትዖ ናይቲ ሕጂ ትነብሩሉ ዘለኽሞ ኣድራሻ (ናይ ኤሌትሪ ተጣቃምነት(ዩቲሊቲ) ሕሳብ፣ ናይ ንብረት ግብሪ ሕሳብ፣ ናይ ቴሌፎን ሕሳብ ወይ ናይ መሸጣ ዕድጊ ስምምዕ (ንብረት) ሒዝኩም ምምጻእ የድሊ።
- ሰራሕተኛታት ክፍሊ መምርሒ ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ንሓደስቲ መጻእቲ ቆጸራ ክገብሩልኩም እዮም።
- ድሕሪ ኣብ ማእከል መቐበሊ ሓደስቲ መጻእቲ ኣጋይሽ ዝግበር ገምጋም፤ እቲ ተማሃራይን ወለዱን ወይ ኣለይቱን ናብቲ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ምስ ሓደ ናይ መምርሒ ኣማኻሪ ክራኸቡ እዮም። እዚ ድማ ነቲ ተማሃራይ ምዝገባኡ ንኽዛዝም፣ ኮርሳት ክመርጽን ናይ ግዜ ሰሌዳ ንምውጻእን ክሕግዞ እዩ።